Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ ዝቕፅል ዕለተ ሰኑይ ጀሚሩ ስሩዕ ኣኼብኡ ከሳልጥ’ዩ

0 76

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ ዝቕፅል ዕለተ ሰኑይ 6 ጥሪ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ስሩዕ ኣኼብኡ ከሳልጥ’ዩ።

እቲ ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ዝተረቑሑ ኣንፈታት ኣፈፃፅምኦም ብዝምልከት ከምዝግምግም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር፣ ከይዲ ምንቅስቓስ ዝተጀመረ ለውጢ ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ መደባት ውድብን መንግስትን ብዝምልከት ብዕምቆት ብምግምጋም ቀፀልቲ ኣንፈታት ከቐምጥ እዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

Comments
Loading...