Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምስ ዝተውፃእፅኡ 60 ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክዛተዩ እዮም

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምስ ዝተውፃእፅኡ 60 ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝዛተዩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ክሳብ ሐዚ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝግበር ዘሎ ሪፎርም፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ዲፕሎማሲ፣ ቀፀልቲ ተልኡኾታት ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝብሉ ትኹረት ዝገበር እዩ።

ብተወሳኺ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ኣብ ምጥንኻርን ከም ሃገር ብብርኪ ዓለም ጎሊሃ ንክትረአ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ እቶም ኣምባሳደራት እጃሞም ንክዋፅኡ ኣብ ዘኽእል ዛዕባን እውን ልዝብ ክግበር እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኩሉም ዲያስፖራታት ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ብምዃን ንክንቀሳቐሱ፣ ክብሪ ዜጋታት ዝረጋገፀሉ፣ ብሄራዊ ድሕንነት ዝሕለወሉ፣ ዲፕሎማሲያዊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝጉልብተሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝምልከት ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ መድረኽ ዘተ ሓደሽቲ ተሸወመቲን ነባራት ኣምባሳደራትን ሓዊሱ 60 መራሕቲ ሚሲዮንን ላዕለዎት ዲፕሎማትን ክሳተፉ እዮም።

Comments
Loading...