Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ዳግም ንክጅመር ዝገበሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክምስገኑ ይግባእ – ዶ/ር ደብረፅዮን

0 66

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ዳግም ንክጅመር ዝገበሩ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክምስገኑ ይግባእ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ርክብ ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ሰላም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰቲት ሁመራ ሩባ ተከዜ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ዶክተር ደብረፅዮን ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣመስጊኖም።

ጎረባብቲ ህዝብታት ዞባ ምዕራብ ትግራይን ጋሽ ባርካን ዝተጀመረ ሰላም ብምጥንኻር መፃኢ ጉዕዘኦም ብሩህ ክገብሩ ከምዝግባእ ድማ ኣገንዚቦም።

ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ድማ ኣብሪሆም።

Comments
Loading...