Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ ኣዋጅ ትካላት ሲቪክ ማህበረሰብ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ

0 61

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ)ረቂቕ ኣዋጅ ትካላት ሲቪክ ማህበረሰብን ማእኸል ኣስተምህሮ ፌዴራሊዝምን ሕገ መንግስቲን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ራብዓይ ዓመት ዘመን ስራሕ መበል 18 ስሩዕ ኣኼብበኡ ሎሚ መዓልቲ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ከልቲኦም ረቀቕቲ ኣዋጃት መርሚሩ ናብ ዝምልከቶ ቀዋሚ ኮሚቴ ልኢኹዎ ኣሎ።

ማእኸል ኣስተምህሮ ፌዴራሊዝምን ሕገ መንግስቲን፥ ዜጋታት ኣብ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ መመነግስቲን ዘለዎም ግንዛበ ንምስፋሕ፣ ባህሊ ምክእኣል ንምጉልባትን ሃገራዊ ክብሪታት ንምምዕባልን ዘለዎ ተራ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ረቂቅ ኣዋጅ ትካላት ሲቪክ ማህበረሰብ ድማ፥ ንምርግጋፅ መሰል ሕጋዊ ውዳበ፣ ንምጉልባት ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ልምዓትን፣ ንምፍጣር ዝተመዓራረየ ምህዳር፣ ተሓታትነት ስቪል ማሕበረሰብ ንምርግጋፅን ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ብኣወል ኣበራ

Comments
Loading...