Fana: At a Speed of Life!

ማይክ ፖምፔዮ ኣብ ግብፂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ኣለዉ

0 61

ኣዲስ ኣበባ፣2 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ኣብ ግብፂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ካይሮ ኣቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዘሳልጥዎ ዘለዉ ዑደት ስራሕ፥ ኣሜሪካ ሰራዊታ ካብ ሶሪያ ንምውፃእ ዝወሰነቶ ውሳነ ስዒቡ ቅርታ ኣብ ዝፈጠረለን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምሕዳስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም መራሒ ምስ ፕሬዚዳንት ግብፂ ኣብዱል ፈታህ ኣልሲሲ ብምርኻብ ኣብ ክሊ ምትሕብባር ፀፅታን ኢኮኖሚን ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ ሳሚ ሽኩሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምትኳር ከምዝተላዘቡ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዝሃበዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ፖምፔዮ ሃገሮም ምስ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ሕውነታዊ ረኽቢ ኣጠናኺራ ክትቅፅለሉ እያ ኢሎም።

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

Comments
Loading...