Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ረጊፆም ወፂኦም

0 157

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ክሊ ብኽፋል ዝተዓፀዉ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፌዴራል ኣተኲሮም ምስ መራሕቲ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ከሳልጥዎ ዝፀንሑ ኣኼባ ረጊፆም ከምዝወፅኡ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣኼባ ረጊፀሙሉ ዝወፅኡ ምኽንያት፥ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንዝህነፅ ሓፁር መህነፂ ዝኸውን ዘቕረብዎ ሕቶ በጀት ኣባላት ኣመራርሓ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ዝኾኑ ቻክ ስኩመርን ናንሲ ፔሎሲን ብምቅዋሞም ከምዝኾነ ተዘሪቡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ኣኼባ “መጥፍኢ ግዘ እዩ” ብዝብል ከምዝገለፅዎ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንዝህነፅ መንደቕ ሓፁር ዝኸውን ዘቕረብዎ ልዕሊ 5 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ ብምቅዋሞም ትካላት መንግስቲ ብኽፋል ንክዕፀዉ ምውሳኖም ይዝከር።

ስለዝኾነ እቶም ኣብያተ ዕዮ (ክሳብ ሐዚ ን19 መዓልታት ዝተዓፀዉ) ብምዕፃዎም ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 800 ሺሕ ሰራሕተኛታት ፌዴራል መንግስቲ ንመፈለምታ እዋን ኣብዚ ሰሙን ብዘይክፍሊትን ስራሕን ደው ኢሎም ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ድሕሪ ምርጋፅ ኣኼባ ኣብ ትዊተር ገፅ ንኣባላት ዴሞክራቲክ ፓርቲ “ቻው” ብምባል ፅሒፎም እዮም።

ፍልፍል፦ www.bbc.com

Comments
Loading...