Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ ንሕንሕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሕፁይ ተወዳዳራት ተቓዋሚ ፓርቲ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ተዓዊቱ

0 74
ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፕሬዚዳንታዊ ንሕንሕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሕፁይ ተወዳዳራት ተቓዋሚ ፓርቲ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ተዓዊቲ።
 
ብመሰረት እዚ ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ 59 ዓመት ንፈለማ እዋን ኣባል ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ፕሬዚዳንታዊ ውድድር እታ ሃገር ከምዝተዓወተ ተገሊፁ።
 
ሕጋዊ ብዝኾነ ኣገባብ ምትሕልላፍ ስልጣን ንክህሉ ድማ ትፅቢት ይግበር።
 
ፕሬዚዳንታዊ ተወዳዳራይ ተቓዋሚ ሰልፊ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ኣብቲ ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ናይኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
 
ግዝያዊ ውፅኢት’ቲ መረፃ ከምዝሕብሮ፥ ፊሊክስ ቺሴኬዲ ነቶም መወዳድርቱ ዝኾኑ ተወዳዳራይ ተቓዋሚ ፓርቲ ማርቲን ፋዩሉን ኣባል ገዛኢ መንግስቲ ኤማኑኤል ሻድሪ ብምስዓር ኢዩ ተዓዊቱ።
 
እቲ ውፅኢት ምስተረጋገፀ ቺሴኬዲ፥ ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ናፅነታ ካብ ቤልጂም ድሕሪ ምርካባ ናብ ስልጣን ዝመፀ ናይ መጀመርታ ኣባል ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።
 
ውፅኢት’ቲ መረፃ ዝመፅእ ሰንበት ንክግለፅ ትፅቢት ዝግበር እንትኸውን፥ ፕሬዚዳንት ጆሴፍ ካቢላ 18 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምፅናሖም ኣብቲ ዕለት ካብ መዝነቶም ብዕሊ ምውራዶም ክግለፅ እዩ።
 
ፍልፍል፦ቢቢሲ
Comments
Loading...