Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ኣብ ትግራይ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከሳልጡ’ዮም

0 91

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ኣብ ትግራይ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ከሳልጡ እዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 2 ክሳብ 3 ጥሪ 2011 ዓ/ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብሓገዝ መንግስቲ ኣየርላንድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ክዕዘቡ እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዑደት ከምዘካይዱ ተገሊፁ።

ኣየር ላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ልምዓት ካብ ዝድግፉ ሃገራት ሓንቲ እነትትከውን፥ እታ ሃገር “ኣይርሽ ኤድ” ብዝብሃል ትካል ልምዓት ኣቢላ 30 ሚሊየን ዩሮ ድጋፍ ንምግባር ቃል ምእታዋ ይፍለጥ።

እቲ ድጋፍ ኣብ ልምዓት ገፀር፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ዝውዕል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየር ላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ ንጎሆ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments
Loading...