Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ኣክሱም ኣቲዮም

0 160

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ኣብ ትግራይ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ከተማ ኣክሱም ኣቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣክሱም እንትበፅሑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ልምዓትን ንግዲን ኢንዳስሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብረሃም ተኸስተ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ዞባን፣ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ኣቀባብላ ገይረሙሎም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊዮ ቫራድካር ካብ ሎሚ መዓልቲ ክሳብ ፅባሕ 3 ጥሪ 2011 ዓ/ም ኣብ ዞባ ማእኸል፣ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብሓገዝ መንግስቲ ኣየርላንድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ክዕዘቡ እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዑደት ከምዘካይዱ ተገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊፁ።

ኣየር ላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ልምዓት ካብ ዝድግፉ ሃገራት ሓንቲ እንትትከውን፥ እታ ሃገር “ኣይርሽ ኤድ” ብዝብሃል ትካል ልምዓት ኣቢላ 30 ሚሊየን ዩሮ ድጋፍ ንምግባር ቃል ምእታዋ ይፍለጥ።

እቲ ድጋፍ ኣብ ልምዓት ገፀር፣ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ዝውዕል እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየር ላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ንጎሆ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።


ብዓብዱ ካሕሳይ

Comments
Loading...