Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ጂም ዮንግ ኪም ሃንደበት ካብ ስልጣኖም ለቒቖም

0 23

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ጂም ዮንግ ኪም ብዓርሰ ድልየት ሃንደበት ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊፁ።

ዘመነ ስልጣኖም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ዝዛዘም እቶም ፕሬዚዳንት፥ እቲ ዓመት ቅድሚ ምብፅሑ ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሞም ንምልቃቕ ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ።

ጂም ዮንግ ኪም ስልጣኖም ዝለቐቑሉ ምኽንያት፥ ኣብ ክሊ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልኦት ፕሮጀክከትታት ልምዓትን ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዘለዎም ዘይምጥዕዓም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ጂም ዮንግ ኪም ብፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ዝተሾሙ እንትኾኑ፥ ንክልተ ዙር (10 ዓመት) ንከገልግሉ ተባሂሉ ዝተሓረዩ እዮም ነይሮም።

ይኹን እምበር ሃንደበት ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ፍልፍል፦ africa.cgtn.com

Comments
Loading...