Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲን ሓሳባትን ምህዞ ብብርኪ ዓለም ብናፃ ንምምዝጋብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

0 117

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያውያን ዘመንጭዉዎም ስራሕቲን ሓሳባትን ምህዞ ብብርኪ ዓለም ብናፃ ንምምዝጋብ ዘኽአል ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ምስ “ሴቭ ኣይዲያ” ዝተብሃለ ትካል እዩ ተፈፂሙ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ብኢትዮጵያውያን ዝተዳለወ ውፅኢታት ምህዞ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ንክረኽቡ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ሴቭ ኣይዲያ ፕሮፌሰር ሃዝቦ ሾኮ ብግደኦም፥ ትካሎም ብብርኪ ኣፍሪካ ቤት ዕዩኡ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኸፍት ሓቢሮም።

እቲ ትካል ብብርኪ ዓለም ዘለዉ ውፅኢታት ምህዞ ብናፃ ዝምዝግብ፣ ብብርኪ ሓሳብ ዘለዉ ናብ ተግባር ንክሸጋገሩ ምስ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብምዝርራብ ኩነታት ዘመቻቹን ባዕሉ እውን ሓገዝ ገንዘብ ዝገብርን ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments
Loading...