Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ኣብቲ ካብ መሬት ዝተኸወለን ዝረሓቐን ኣካል ወርሒ መንኮራኮር ኣወንጪፋ

0 30

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ቻይና ንፈለማ እዋን ኣብቲ ካብ መሬት ዝተኸወለን ዝረሓቐን ኣካል ወርሒ መንኮራኮር ኣወንጪፉ ከም ዘዕለበ ኣፍሊጡ።

እታ ሓድሽ መንኮራኮር ኣብ ውሽጣ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ኩነታት ስነ-ህይወትን እቲ ዝዓለበቶ ኣካል ወርሒ ንምምርማር ዘኽእል ቴክኖሎጂን መሳርሕታትን ተሰኪማ እያ ተጓዓዛ።

ሃገራዊ ሚድያ ቻይና ከም ዝሓበሮ እቲ ክስተት ኣብ ዓውዲ ምርምር ህዋ ዓብዪ ዝላ እዩ ኢሉ።

ዛጊድ ናብ ወርሒ ዝተገብሩ ጉዕዞታት ምውንጫፍ መንኮራኮር፥ ኣብቲ ንመሬት ዝጥምት ኣካል ወርሒ እንትኸውን ካብ መሬት ዝተኸወለን ዝረሓቐን ገፅ ወርሒ ተዳህሲሱ ኣይፈልጥን።

ኣብዚ ከውሊ ከባቢ ወርሒ መንኮራኹር እንትዓልብ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ እውነ ተገሊፁ።

ቼንግ-4 ዝተብሃለ እቲ ናብ ወርሒ ተወንጪፉ ብዓወት ዝዓለበ መንኮራኹር ምርምር ህዋ፥ ናብዚ ቅድሚ ሐዚ ተዳህሲሱ ዘይፈልጥ ከባቢ ወርሒ ንምጓዓዝ ዝሕንበበሉ ዑደቱ ኣዐርዩ ምድላዋት ክገብር ከም ዝፀንሐ ተፈሊጡ።

ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ብ2013 ናብ ገፅ መሬት ዝርከብ አካል ወርሒ ምስ ዝተወንጨፈ ቼንግ-3 መንኮራኹር፡ እንትነፃፀር እቲ ሐዚ ናብ ከውሊ መሬት አካል ወርሒ ዝተወንጨፈ ከቢድን ንልዑል ሓደጋ ዝተጋለፀን ከም ዝነበረ ሰብ ሞያ ኣብሪሆም።

እቲ ሐዚ ናብ ወርሒ ዝተወንጨፈ መንኮራኹር ገለ ሑጻን ከውሕን ወርሒ ሒዙ ናብ ምድሪ ክምለስ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣፖሎ ላንዲንግ ዝተብሃለ ናይ ኣሜሪካ መንኮራኹር ኣብ ወርሒ ምስዓለበ ድሕሪ 50 ዓመት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ጉዕዞ ኣብ መወዳእታ 2019 ነዚ መንኮራኹር ናብ መሬት ናይ ምምላስ ዕላማ ተታሓዚዙ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ መሬት ኮይንና ብሰንኪ ከውሊ መሬት ዘይረአየና አካል ወርሒ፡ ፀልማት ገይርና እንስእሎ ጌጋ እንትኸውን፤ ኩሉ አካላት ወርሂ ብርሃን ከምዝረክብ እቶም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።

ፍልፈል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...