Fana: At a Speed of Life!

ፋሲል ከነማ ምስ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣብ ሜዲኡ ዝግበሩ ፀወታታት ብሰለማዊ መገዲ ንምትእንጋድ ምድላዋት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

0 98

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ክልል ትግራይን ኣምሓራን ኣብ መንጎ ጋንታታት ፕሪምየር ሊግ ኩዕሶ እግሪ ትግራይን ኣምሓራን ዝግበሩ ፀወታታት ንምትእንጋድ ዘኽእል ምድላው ከምዝገበሩ ምግላፆም ይፍለጥ።

ብመሰረት እዚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፋሲል ከነማ ናብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ምስ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣብ ሜዲኡ ዝግበሩ ፀወታታት ብሰለማዊ መገዲ ንምትእንጋድ ምድላዋት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምምሕዳር እቲ ጋንታ፥ ንውድድር ዝመፅኡ ጋንታታት ካብ ኣቀባብላ ጀሚሩ ፀወታ ተዛዚሙ ናብ ዓዶም ክሳብ ዝምለሱ ፍፁም ሕውነት ብዘርእይን ሓላፍነት ብዝተመልኦን ንምትእንጋድ ከምዝተዳለወ ሓቢሩ።

ከም ጋንታ ኣብ ሜዲኡ ይኹን ካብ ሜዲኡ ወፃእ ፀወታ ንምክያድ ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ገሊፁ።

Comments
Loading...