Fana: At a Speed of Life!

ኤርትራውያን ሞዴላት ዝተሳተፋሉ ምርኢት ቅዲ ኣልባሳት ኣብ ትግራይ ተሳሊጡ

0 52

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርክብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምጥንኻር ዝዓለመ ምርኢት ቅዲ ክዳንን እንግዶት ደርፍን ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ዘማርያስ ተኻይዱ።

ኣብቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተሳለጠ ምርኢት፥ ካብ ኤርትራ ሰለስተ ሞዴላትን ሓንቲ ድምፃዊትን ተረኺበን።

ካብ ወገን ትግራይ መሰረትን ንግስትን ዝበሃላ ክልተ ሞዴላትን ብርክት ዝበሉ ስነ ጥበባውያንን ተሳቲፎም።

እተን ወይዘራዝር ብኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ፊልሞን ኤርሚያስ (ማንዴላ) ንዝተሰርሑ ቅዲ ኣልባሳት እየን ከርእያ ኣምስየን።

ዕላማ እቲ ብስራሕቲ ምልላይ ጠዓመ ኣብርሃ ዝተዳለወ ምርኢት ሕውነትን ፍቕርን ክልቲኦም ህዝብታት ንምጥንኻር እንትኸውን፥ ንልዕሊ 200 ኤርትራውያን ኣጋይሽ እንግዶት ድራር ከም ዝተገበረ’ውን ኣወሃሃድቲ ናይቲ መድረኽ ገሊፆም።

Comments
Loading...