Fana: At a Speed of Life!

ወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ኣስመራ ኣቀባብላ ተገይሩሎም

0 95

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሬድዋን ሑሴን ናብታ ሃገር ንዝተጓዓዙ ወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ኣስመራ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ እዋን ስነስርዓት ኣቀባብላ ከምዝበልዎ፥ እቲ ተግባር ንእወንታዊ ርክብ ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝቢ ልዑል ግደ ዘለዎ እዩ።

39 ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ሕክምና ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ ፃንሒቱ ድማ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ከምዝህብ ተገሊፁ።

Comments
Loading...