Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዓይደር ብ50 ሽሕ ዶላር ዘህነፆ ማእኸል ፅገና መሳርሒ ሕክምና ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ

0 78

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍቢሲ)ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ብ50 ሽሕ ዶላር ዘህነፆ ማእኸል ፅገና መሳርሒ ሕክምና ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሪአ ኢሳያስ ከምዝበልዎ፥ “KOFIH” ዝተብሃለ ትካል መንግስቲ ኮሪያ ብዝገበሮ ሓገዝ እዩ እቲ ማእኸል ተመሪቑ።

ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ መሳርሒ ሕክምና በብግዚኡ ክትትል ክግበረሎም ይግባእ ዝበሉ ዶክተር ሪአ፥ እቲ ወርክሾፕ ነዚ ኣብ ምትግባርን ነቶም መሳርሒታት ኣብ ምፅጋንን ዝህልዎ እጃም ልዑል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ቅድሚ ሕዚ መፀገኒ መሳርሒ ሕክምና ኣብቲ ሆስፒታል ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ እቲ ሐዚ ተሃኒፁ ዘሎ ካብቲ ዝነበረ ንላዕሊ ንብርክት ዝበሉ መሳርሒታት መፀገኒ ከምዝውዕል ኣብሪሆም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስነ ስርዓት ምረቓ 15 ተምሃሮ ብፅገና መሳርሒ ሕክምና ከምዘመረቑ’ዉን ዶክተር ሪአ ተዛሪቦም።

ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ሰልጠንቲ፥ እቲ ዝተዉሃቦም ስልጠና ፅገና ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...