Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝኣተዉ ልዕሊ 1 ሺሕ ቆፎታት ቴሌፎን ተታሒዞም

0 132

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2011(ኤፍ ቢ ሲ) ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝኣተዉ 1 ሺሕን 90 ቆፎታት ቴሌፎን ትማሊ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ድምር ግምታዊ ዋጋ እቶም ቆፎታት 861 ሺሕ ብር ከምዝኸውን ድማ ሓላፊ ጣብያ ቁፅፅር ጉምሩኽ ሻሸመኔ ኮማንደር ጫላ ቡልጫ ተዛሪቦም።

ተጠርጠርቲ ጠራሙዝ ቢራ ኣብ ዝፀዓነት መኪና ብምሕባእ ካብ ሞያሌ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከእትውዎም ክብሉ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ከምዝተትሓዙ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ክልተ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እቶም ኮማነደር ተዛሪቦም።

Comments
Loading...