Fana: At a Speed of Life!

ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ኣዶ 4 ህፃናት ብሰላም ተገላጊላ

0 267

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍቢሲ)ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ኣዶ ኣብ ሆስፒታል ራያ ቆቦ ኣርባዕተ ህፃናት ብሰላም ተገላጊላ።

ፆታ እቶም ህፃናት፥ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ድማ ወዲ ተባዕታይ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እታ ወይዘሮ እናት ሲሳይ እትበሃል ኣዶ፥ ኣብቲ ሆስፒታል ብዝተገበረላ መጥባሕቲ እያ ተገላጊላ።

ሰብ ሞያ ሕክምና እቶም ህፃናት ሙሉእ ጥዕና ከምዘለዎም ገሊፆም።

ወይዘሮ እናት ሲሳይ ድሕሪ ምግልጋላ፥ “ ኣርባዕቲኦም ህፃናት ንምብፃሕ ዓቕሚ ስለ ዘይብለይ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓገዝ ክገብራላይ እላቦ” ክትብል ፃውዒት ኣቕሪባ።

Comments
Loading...