Fana: At a Speed of Life!

40 ሰብሞያ ሕክምና ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ኣገልግሎት ንክህቡ ምፍናው ተገይሩሎም

0 28

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)40 ኢትዮጵያውያን ሰብሞያ ሕክምና ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ትማሊ ምፍናው ተገይሩሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፈዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝተዛረብኡ፥ እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ዝገብርዎ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝህሉ ርክብ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ።

ኣብ ቀፃሊ ናብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ተመሳሳሊ ጉዕዞ ከምዝግበር እውን ዶክተር ሊያ ሓቢረን።

ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሚር ኣማን ብግደኦም፥ እቲ ተግባር ርክብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ ትዊተሩ ፅሒፎም።

እቲ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕክምና፥ ሓፈሻዊ ሓካይምን እስፐሻሊስታትን ዝሓዘ እዩ።

Comments
Loading...