Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካዊ ዳህሳሳይ ንበይኑ ብእግሩ ንክፍለ ዓለም ኣንታርክቲካ ሰጊሩ

0 98

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወዲ 33 ዓመት ኣሜሪካዊ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ንዝርከብ ክፍለ ዓለም ኣንታርክቲካ ብኻልእ ከይተሓገዘ ሰጊሩ።

በዚ ድማ ናይ መጀመርታ ሰብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ኮሊን ኦብራዳይ ዝተብሃለ ዳህሳሳይ፥ ኣብቲ ኣብ በረድ ዝተኻየደ ቅያ ዝመልኦ ውድድር ንወዲ 49 ዓመት እንግሊዛዊ መወዳድርቱ  ካፒታኖ ሉዊስ ሩድ ብምቕዳም ነቲ ጉዕዞ ብ53 መዓልታት ከመዝዛዘሞ ተዘሪቡ።

ክልቲኦም ሰባት ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ህይወት እንግሊዛዊ መኮነን ነበር ዝቐዘፈ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብ3 ሕዳር ኢዮም ፈሊሞሞ።

እቲ 1,482 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝቖረረ ክፍለ ዓለም ኢዮም ኣካይዶሞ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...