Fana: At a Speed of Life!

ደገፍቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ደገፍቲ ጋንታ ወልዋሎ ዝቕመጥሉ ከባቢ ብምፅራይ ኣርማ ወልዋሎ ሰቒሎም ኣቀባብላ ንምግባር ተዳሊዮም ኣለዉ

0 88

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 09:00 ድሕሪ ቐትሪ ጋንታ ወልዋሎ ምስ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ክራኸባ እየን።

እቲ ተመዓራራዪ ፀወታ ደገፍቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ምስ ምክትል ከንቲባ ታከለ ኡማ ናብ ባህርዳር ተጓዒዞም ብምንባሮም ምኽንያት ዝተሓላለፈ እዩ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ጊዘ ዝተራኸባ እንትኾና፥ ብማዕረ ብማዕረ ሓደ ሓደ ጊዘ ተሰዓዒረን እየን።

ኣብ ክልቲኡ ፀወታታት ክልተ ሸቶ ብወልዋሎ ክልተ ሸቶ ድማ ብኢትዮጵያ ቡና ብድምሩ ኣርባዕተ ሸቶታት ምምዝጋቦም ይፍለጥ።

ሎሚ ዘበን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ውፅኢት ወልዋሎ 10 ነጥቢ ብምእካብ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ድማ 11 ነጥቢ ሒዛ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።

Comments
Loading...