Fana: At a Speed of Life!

ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ዘመናዊ መመርመሪ ካንሰር ጡብ ኣተኣታትዩ

0 40

ኣዲስ ኣበባ ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ምሰ ኤምባሲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያን ፉጂ ፊልምን ብምትሕብባር ዘመናዊ መመርመሪ ካንሰር ጡብ ኣተኣታትዩ።

እቲ ዘመናዊ መመርመሪ ካንሰር ጡብ ማሞግራፊ ዝበሃል አንትኸውን፥ ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ወፃኢ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ።

እቲ ዘመናዊ መመርመሪ መሳርሒ፥ ብቐሊሉ ዘይርከብን ኣብ ዉሑዳት ሆስፒታላት ከምዘሎን ድሕሪ ምግላፅ ቅድመ ምርመራ ብምግባር ኣብ ሃገርና ይኹን ክልልና ዘሎ ሰፊሕ ሕማም ካንሰር ጡብ ንምክልኻል ዝሕግዝ ምዃኑ ሰብ ሞያ እቲ ሆስፒታል ገሊፆም።

ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ዳይሱክ ማሱናጋ ብግደኦም፥ ሕማም ካንሰር ጡብ ገኒኑ ዝረአ ሕማም ምዃኑ ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ካብ ሐዚ ንደሓር ዝኾነ ሕማም ጡብ ዝስመዐን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ሆስፒታል ዓይደር ብምምርማር ንኽከላኸላን ሕክምና ክገብራን ፀዊዖም።

ስፐሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር፥ ልዕሊ 300 መደቂሲ ዓራት ዝሓዘ ዓርሱ ዝኸኣለ ማእኸል ሕክምና ካንሰር ኣብ ምህናፅ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

Comments
Loading...