Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ኣብዱላሂን ሎሚ መዓልቲ ጎንደር ኣቲዮም

0 20

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ኣብዱላሂን ሎሚ መዓልቲ ጎንደር ኣቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ኣምሓራ ዝኸድሉ ምኽንያት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ ክልል ዑደት ንክገብሩ ብመሰረት ዘቕረብሎም እንግዶት እዩ ተባሂሉ።

እቲ እግዶት ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንምርግጋፅን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምፍጣርን ዓሊሙ ንዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ሓጋዚ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ዝግበር ዑደት ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ናይ ዝተኻየደ ሰለስቲኣዊ ዘተ መቐፀልታ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ዑደት ኣብ ከተማ ጎንደርን ባህርዳርን ዝርከቡ ምንቅስቓሳት ልምዓት ዘካትት እንትኸውን፥ ሰለስቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ቀጠናዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ኣብ ባህርዳር ዘተ ከካይዱ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጎንደር እንትበፅሑ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን ኣቀባብላ ከምዝገብርሎም ተሓቢሩ።

Comments
Loading...