Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ ኣብ ጃፓን እቲ ዝልዓለ ህያብ ዕውት ስራሕ ተበርኪቱሎም

0 56

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ ኣብ ጃፓን እቲ ዝልዓለ ህያብ ዕውት ስራሕ ተበርኪቱሎም።

“Order of the Rising Sun” ዝተብሃለ ዓይነት ሽልማት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1875 ዝተጀመረ እንትኸውን፥ መንግስቲ ጃፓን ርኡይ ተግባራዊ ስራሕ ንዝዓመሙ ኣካላት ዘበርክከቶ ዓይነት ህያብ እዩ።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ኣርከበ ዕቑባይ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕባለ ኢንዱስትሪ ንክረጋገፅ ብዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንክህሉ ብዝገበርዎ ፃዕሪን መንግስቲ ጃፓን ዘለዎ ኣኽብሮትን ምስግናን ገሊፁ ኣሎ።

ዶክተር ኣርከበ፥ ንዘበርከትዎ ዕውት ስራሕ ዝምጥን ህያብ 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም (6 November 2018) ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገረ ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ተቐቢሎም።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ነበር ዶክተር ንዋይ ገብረኣብ ቅድመ ሐዚ ተመሳሳሊ ሽልማት ምውሳዶም ይዝከር።

Comments
Loading...