Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሕፅረት ቀረብ መድሓኒት ተገልገልቲ ይንገላትዑ ምህላዎም ገሊፆም

0 15

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዝርከቡ ተሓከምቲ ኣብቲ ቀፅሪ ሆስፒታል ሕፅረት ቀረብ መድሓኒት ብምህላዉ ይንገላትዑ ከም ዘለዉ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ተሓከምቲ ከምዝበልዎ ኣብቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ሕፅረት መድሓኒት እንተጋጥም ካብ ዉልቀ መደብር መሸጢ መድሓኒት ብኽባር ይገዝኡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ይብራህ ኣለማዮ ብግደኦም፥ ኣብቲ ሆስፒታል ሕፅረት ቀረብ መድሓኒት ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ወርሒ ብርክት ዝበሉ መድሓኒታት ከምዝገዝኣ ዝሓበሩ ኣይተ ይብራህ፥ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዘሎ ፀገም ሕፅረት መድሓኒት ከምዘይተፈትሐ ተዛሪቦም።

መንቀሊ እቲ ፀገም ድማ፥ ሕፅረት በጀት ከምዝኾነ ኣይተ ይብራህ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ሆስፒታል 14 ሚሊየን ብር ዝተበጀተ እንትኾን፥ ሎሚ ዓመት’ዉን ተመሳሳሊ በጀት ከምዝተመደበ ተገሊፁ።

ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ምዝርራብን ከባቢያዊ ሃፍቲ አብ ምትእክካብን ከምዘሎ ድማ ተገሊፁ።

ብዮናታን ግዛቸዉ

Comments
Loading...