Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 41 ዓመት ናብ መቛዱሾ በረራ ጀሚሩ

0 11

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ 41 ዓመት ናብ ሶማሊያ፣ መቛዱሾ በረራ ክጅምር’ዩ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ተወልደ ገብረማሪያም፥ እቲ መገዲ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ በረርኡ ምጅማሩ ሓቢሮም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ተወልደ፥ ዕላዊ ምጅማር እቲ በረራ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ፣ ኤስያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ሃገራት ኣፍሪካን ብድምሩ እቲ መገዲ ኣየር በረራ ኣብ ዝገብረሎም 116 ሃገራት ዝነብሩ ሶማሊያውያን ዲያስፖራታት ብቐጥታ ናብ ሃገሮም ንክመላለሱ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ሓቢሮም።

ኣገልግሎት ካርጎ እውን ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ከምዝጅምር ተዛሪቦም።

መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነቲ በረራ ዳግም ንክጅመር ንዝገበርዎ ደገፍ እውን ኣይተ ተወልደ ኣመስጊኖም።

Comments
Loading...