Fana: At a Speed of Life!

ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ጁቬኔቱስ 2 ን1 ተዓዊቱ

0 10

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ማንችስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ጁቬኔቱስ 2 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊቱ።

ኣብ’ቲ ፀወታ ኣብ መበል 65 ደቓይቕ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ብዘቑፀራ ሸቶ ጁቬኔቱስ መራሒ እኳ እንተነበረ፥ እቲ ፀወታ ንክዛዘም 5 ደቓይቕ ኣብ ዝተረፍዎ ንማንችስተር ዩናይትድ ማዕረ እትገብር ሓንቲ ሸቶ ዩሃን ማታ ኣቑፂሩ እዩ።

ኣብ መበል 89 ደቒቓ ድማ ኣሌክስ ሳንድሮ ኣብ ናይ ባዕሉ መረበብ ሸቶ ብምምዝጋቡ ዩናይትድ 2 ን1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምዕዋት 3 ነጥቢ ወኒኑ።

ብዝተተሓሓዘ ዜና፥ ኣብ ስታዲየም ኢታሃድ ሻካታር ምስ ጄቨንቱስ ዝተፃወተ ማንችስተር ሲቲ 6 ን0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ተዓዊቱ።

ኣብ ናይ ትማሊ መርሃ ግብሪ፥ ቪክቶሪያ ፕሊዘን ምስ ሪያል ማድሪድ 0 ን 5፣ ሲኤስኬ ሞስኮ ምስ ሮማ 2 ን 1፣ ቤኔፊካ ምስ ኣያክስ 1 ማዕረ፣ ቫሌንሺያ ንያንግ ቦይስን 3 ን 1፣ ሊዮን ምስ ሆፈኒየም 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ።

Comments
Loading...