Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያናዊ ኩባንያ ኤራ ኣብ ትግራይ ዕጥቂ ስፖርት ዘፍሪየሉ ማእኸል ንምኽፋት ድልየት ከምዘለዎ ገሊፁ

0 11

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ዕጥቂ ስፖርት ብምፍራይ ዝፍለጥ ኩባንያ ጣሊያን ኤራ፥ ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ጋንታታት ስፖርት ዕጥቂ ንምቕራብን ስፖንሰር ንምግባርን ዘኽእሎ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብ’ቲ ዘተ ዝተረኽቡ ወኪል ኩባኒያ ኤራ ኣንጀሊኖ ዛቺ፥ እቲ ትካል ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኣትዩ ዕጥቂ ስፖርት ከፍሪ ድልየት ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።

ኤራ ኣብ ትግራይ ክሰርሕ ዝለዓለ ግደ ይፃወቱ ዘለው ድማ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወትን ብዓል ዋና ትካል ግሎባል ስፖርት ኣትሌት ገብረእግዛብሄር ገብረማርያምን ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኩባንያ ጣሊያን ኤራ፥ ዕጥቂ ስፖርት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ከምዘቕርብ ይዝከር።

Comments
Loading...