Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር እስራኤል ራፋኤል ሞራቭ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝጀመርዎ ዑደት ስራሕ ናብ ራያ ቀፂሉ ኣሎ

0 35

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር እሰራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ጣብያ ፈልሲ ጥሙጋ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣካይዶም።

እቶም ኣምባሳደር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ፃንሒቶም ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተ ክገብሩ እዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እቲ ክልል ዘለዉ ንጥፈታት ልምዓትን ኣብ ምቕራፍ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተዋፈሩ ማእኸላትን ክዕዘቡ እዮም።

ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ካልቲቭ ኤይድ ዝተብሃለ ትካል እስራኤል ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምትሕብባር ዘበናዊ ልምዓት ሕርሻ ንምትግባር ዓሊሙ ኣብ ማእኸል መዕበይ ህፃናት ኤልሻዳይ፣ ውቕሮ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ተዓዚቦም።

ማእኸል መዕበይ ህፃናት ኤልሻዳይ፥ ወለዶም ንዝሞትዎምን ትሑት እቶት ካብ ዘለዎም ቤተሰብ ንዝመፅኡን ህፃናት ኣብቲ ማእኸል ብምጥርናፍ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ዝገብር እዩ።

ስለዝኾነ በቲ ኣብቲ ማእኸል ዘሎ ዘበናዊ ልምዓት ሕርሻ፥ 160 ወለዲ ዘይብሎምን ኣስታት 1 ሺሕ ዝኾኑ ትሑት እቶት ካብ ዘለዎም ቤተሰብ ዝመፅኡን ህፃናት ደገፍ ይግበር ምህላዉ እቶም ኣምባሳደር ተዓዚቦም።

ብተወሳኺ ካብቲ ሕርሻ ብዝርከብ ውፅኢት 36 ተምሃሮ ኮለጅን ዩንቨርሲቲን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝግበረሎም ኣረጋጊፆም።

ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራቭ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ፥ እስራኤል ኣብ ቴክኖሎጂ ማይ ዘለዋ ተመኩሮ ንምክፋል ኣብ ትግራይ ዝጀመረቶ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ጣብያ ፈልሲ ጥሙጋ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምክያድ ኣብቲ ጣብያ ዘሎ ምንቅስቓስ ልምዓት ተዓዚቦም።

Comments
Loading...