Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ርእሶም ሰመረ ቅዳሕ ደብዳበ ሹመቶም ናብ ዶ/ር ወርቅነህ ኣቕሪቦም

0 16

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ርእሶም ሰመረ ቅዳሕ ደብዳበ ሹመቶም ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣረኪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ ደብዳበ፥ ኩለመዳይ ርክብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዝምልከት ተዛቲዮም።

ዶክተር ወርቅነህ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተጀመረ ሰለማዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ስርዓት ንግዲን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ንምጥንኻር ትኹረት ተዋሂቡዎ ክስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቐብ ንክለዓል ዝተገበረ ፃዕሪ ቅኑዕ ኣንፈት ሒዙ ይጓዓዝ ብምህላዉ ከምዘሐጎሶም እውን ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ሰመረ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ነቲ ዝተጀመተ ርክብ ንምጥንኻር ፃዕሪ ከምዝገብሩ ምግላፆም ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

Comments
Loading...