Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ማእኸል ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ንምዃን ትሰርሕ ኣላ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

0 15

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ሰብ ሃፍቲ ንምስሓብ ዘኽእል ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ተረኺበን ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት መጓዓዚያ ነፈርትን ባቡርን ዘለዋ ዓቕሚ ኢንቨስተራት ንምስሓብ ዘኽእል እዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ዘፈር ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ልምዓት ኣስተዋፅኦ ኣለዎ እዩ ኢላ ከምእትኣምን እውን ገሊፀን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 እዛ ሃገር ማእኸል ኢንዱስትሪ ንምግባር ዓሊሙ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ትኹረት ብምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣብሪሀን።

ኣብ’ቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም፥ ዓለም ለኻዊ ትካላት ገንዘብ፣ ሰብ ሃፍትን ካልኦት መራሕቲ ትካላትን ይሳተፉ ኣለዉ እዮም።

ፎረም ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ኣብዛ ኣህጉር ዘሎ ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምስፋሕ ዝረብሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ኣብቲ ፎረም ክተፋልጥ እያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

Comments
Loading...