Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገብርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ጀሚሮም

0 33

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝገብርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ክልል ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ኣብ ከተማ ጎንደር ምስ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘተ ከካይዱ እዮም።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዝዕዘቡ እንትኾኑ፥ ዕላዊ ዑደት ስራሖም ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ከምዝቕፅል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝለኣኾ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ዑደት ከምዘካይዱ ይዝከር።

Comments
Loading...