Fana: At a Speed of Life!

ኣንጊህኻ ካብ ምድቃስካ ምትሳእ ካብ ተቓላዕነት መንሽሮ ጡብ ይከላኸል-ተመራመርቲ

0 66

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተመራመርቲ ዓዲ እንግሊዝ ንጉሆ ትትስእ ጓል ኣንስተይቲ ንመንሽሮ ጡብ ዘለዋ ተቓላዕነት ትሑት’ዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ዝርከብ ጉጅለ፥ ድቃስ ንጥዕና ዘለዎ ረብሓ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን ኢሉ።

ኩሉ ሰብ ናይ ነብሱ ሰዓት ዘለዎ እንትኾን፡ እዚ ሰብነትና ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከመይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝገንሕ’ዩ።

እዚ ሰዓት ድማ ካብ እንድቅሰሉ ጀሚሩ ክሳብ ዝህልወና ስምዒታትን ፀገም ጥዕና ልብን ዝቆፃፀር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እንተኾነ ግና ናይ ኩሉ ሰብ ናይ ነብሲ ሰዓት ሓደ ዓይነት ሰዓት ኣይነግርን።

ናይ ንጉሆ ሰባት፥ ካብ ድቃሶም እንክትስኡ ኣንጊሆም’ዩ፤ ቐትሪ ድማ ቶሎ ዝረፍዶም፣ ምሸት’ውን ቐልጢፎም ዝደኽሙ ዓይነት ሰባት’ዮም።

ናይ ምሸት ሰባት ድማ፡ ንጉሆ ምትሳእ ዝዕቅቦም፣ ረፋድ ዚያዳ ኣፍረይቲ ኮይኖም ቐልጢፎም ምድቃስ ዘይመርፁ’ዮም።

ኣባል እቶም ጉጅለ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል፣ ዶክተር ርብቃ ሪችሞንድ “ኩነታትን ሰዓትን ድቃስ ክመሓየሽ ዝኽእል ብምዃኑ በብግዝኡ ዝርከቡ ውፅኢታት መፅናዕቲ ጠቐምቲ’ዮም” ትብል።

ቅድም ኢሎም ዝካየዱ ዝነበሩ መፅናዕታት ናይ ስራሕ ሽፍቲ ዘለዎ ፅልዋ ዘተኮሩ ነይሮም፤ እዚ ናይ ሐዚ ግና ድቃስ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ፅልዋ ዝጠመተ’ዩ።

ዕድመን ድሕረ ባይታ ስድራን ካብ ሞንጎ ንመንሽሮ ጡብ ምኽንያት’ዮም ዝበሃሉ’ዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ መፅናዕቲ መንሽሮ ዓዲ ኢንግሊዝ፥ ኣስታት ርብዒ ሕማማት መንሽሮ ምክልኻል ዝከኣሉ’ዮም።

ዶክትር ርብቃ ከምእትብሎ ድማ፥ እቶም ዕላዊ ዝተገበሩ ውፅኢታት መፅናዕቲ ማእኸል ጌርካ ንደቂ ኣንስትዮ ግልፂ ዝኾነ ማዕዳ ዝልገሰሉ እዋን ገና’ዩ።

ብተወሳኺ “ሐዚ’ውን ናይ ምሸት ሰባት ዚያዳ እቶም ናይ ንጉሆ ሰባት ብመንሽሮ ጡብ ዝጥቅዓሉ ምኽንያት ክንፍለጥ ይግባእ” ከትብል ገሊፃ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

Comments
Loading...