Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ራያ ዓዘቦ ብኽነት እቶት ንከየጋጥም ኮሚቴታት ብምጥያሽ ይስራሕ ኣሎ

0 24

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብኽነት እቶት ንከየጋጥም ክሳብ ጣብያታትን ጉጅለታት ልምዓትን ዝዘለቓ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ሓላፊት እቲ ቤት ፅሕፈት ወ\ሮ ፍረወይኒ መሓሪ፥ ዝሓለፈ ክራማት ፅዑቕ ሽፋን ዝናብ ብምንባሩ ሓረስታይ ዘዕግብ እቶት ክረክብ ከምዝኽእል ገምጋም ሰብ ሞያ እቶት ምህርቲ ሕርሻ ከምዘመላኽት ገሊፀን።

ስለዝኾነ ሓረስቶት ዝረኸብዎ እቶት ሕርሻ ብዘየድሊ ኣገባብ ንከየባኽኑ ዝምዕዳን ዝከታተላን ብዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝምራሓ ኮሚቴታት ልምዓት ተጣይሸን ኣለዋ።

እተን ኮሚቴታት ምስሕብረሰብ ዘተ ምግባር ከምዝጀመራ ዝሓበራ እተን ምክትል ሓላፊት፥ ኣብ መዳይ ምክልኻል ብኽነት ምህርትን ምዕባይ ባህሊ ቑጠባን ኣድሂበን ተግባራዊ ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበ የሳልጣ ከምዘለዋ ኣረዲኣን።

Comments
Loading...