Fana: At a Speed of Life!

ሓደሽቲ መርዑ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቶም

0 29

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቴክሳስ ካብ ስነስርዓት መርዓ ዝምለሱ ዝነበሩ መፃምድቲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቶም።

ዊል ብይለርን ባይለ ኣከርማን ብይለርን ዝተብሃሉ ኣመሪካውያን መፃምድቲ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ሳም ሆስተን እንትኾኑ፥ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምሟቶም ብመፅሄት ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ እዩ ተነጊሩ።

እቲ ሓደጋ፥ ካብ ሳን ኣንቶንዮ 135 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኡቫልደ ዝተብሃለ ቦታ ኣዩ ኣጋጢሙ።

እቶም ኣብቲ ስነስርዓት መርዓ ዝተረኸቡን፡ ነዚ ዜና ዝሰምዑን ናይ ሓዘን መልእኽቶም ብብዝሒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የስፍሩ ኣለዉ።

እቲ ነታ ሄሊኮፕተር ዝመርሓ ዝነበረ ፓይሎት’ውን ምስኦም ሂወቱ ከምዝሓለፈት ተገሊፁ።

እቶም መፃምድቲ፥ ቃል ኪዳን ካብ ዝኣሰርሉ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ናብቶም ኣብ ደቡብ ቴክሳስ ዝርከቡ ስድራ በይለር እናኸዱ እንከለዉ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...