Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን እተንብሮ እገዳ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ

0 74

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥቅምቲ ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝተራእዩ እገዳታት እቲ ዝሓየለ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሎሚ መዓልቲ ተግባራዊ ክትገብር’ያ።

እቲ እገዳ ኣብ’ታ ሃገር ብዙሕ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2015 ብዝተበፅሐ ስምምዕ ኒውክለር ተላዒሉ ዝፀንሐ እገዳታት ብምልኡ ክመልሶ ኢዩ።

እቲ እገዳ ንሰደድ ነዳዲ፣ መጉዓዝያ ባህሪ፣ ባንክታትን ቀንዲ ክፋላት ቁጠባን እታ ሃገር ብዙሕ ክፀሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ትማሊ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢራናውያን “ሞት ንኣሜሪካ” ኢሎም እናጨርሑ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊፆም።

ሰራዊት ኢራን’ውን ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንምርኣይ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ልምምድ ነፈርቲ ኲናት ከካይድ ምዃኑ ይግለ ኣሎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments
Loading...