Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ምሰ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ መዓልቲ ፀወተአን ከካይዳ’የን

0 14

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዩኒቨርሰቲ ዓዲ ግራት ምሰ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9 ፀወተአን ከካይዳ’የን።

እተን ጋንታታት ድሕሪ 2003 ዓ.ም ንትግራይ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዝወከላ ጋንታታት እየን።

ወልዋሎ ናብ ብሄራዊ ሊግ ካብ እትድይብ ካብ 2005 ዓ.ም ናብዚ ምስ መቐለ 70 እንደርታ 12 ግዘ ተራኺበን።

ብመሰረት እዚ መቐለ 2 ግዘ ወልዋሎ ድማ 1 ግዘ እንትሰዕራ 9 ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተፈላልየን።

ጋንታ መቐለ ኣብ 2005 3 ን 2፤ ኣብ 2007 ዓ.ም ድማ 1 ን0 ሰዒራ ወልዋሎ ድማ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት 1ን0 ተዓዊታ።

ኣብ ውድድር ዓመት 2010 ዓ.ም ኣብ መበል 17 ሰሙን ዘካየድኦ ፀወታ ንትግራይን ተጋሩን ብዘይገልፅ ኣገባብ ብጉደለት ሰፖርታዊ ጨዋነት እቲ ፀወታ ምቁራፁ ይዝከር።

እተን ጋንታታት ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9 ፀወተአን ከካይዳ እየን።

Comments
Loading...