Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ብልዕሊ 750 ሚሊየን ዩሮ ኣብ ትግራይ ኢንዳስትሪ ፓርክ ክሃንፁ እዮም

0 754

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓዲጉደም ብልዕሊ 750 ሚሊየን ዩሮ ኢንዳስትሪ ፓርክ ከም ዝሃንፁ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ገሊፆም።

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ነቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ንምህናፅ ክማልኡ ዝግብኦም ቅድመ ኩነት ኣመልኪቶም ምስ ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ዓዲጉደም ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከም ዝገለፅዎ፥ ህዝቢ ትግራይ ፈተዊ ስራሕን ተቐባሊ ጋሻን ምዃኑ ነቲ ቦታ ንክመርፅዎ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ተዛሪቦም።

ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ከምዝተዘራረቡ ዝሓበሩ እቶም ሰብ ውልቀ ሃፍቲ፥ ከተማ ዓዲ-ጉደም ሰፊሕ ጎልጎል፣ ተሓራሲ መሬትን ብዙሕ ሓይሊ ሰብን ከምዘለዋ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ንከተማ መቐለ ብዘለዋ ቅርበት ተመራፂት ከም ዝገብራ እቶም ቱርካዊያን ሰብ ሃፍቲ ኣብሪሆም።

እቲ ዝህነፅ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኣብ 500 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ እንትኸውን፥ ብደረጃ ዓለም ተወዳዳርን ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ምዃኑ ገሊፆም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ኣይተ ከላሊ ሓጋዚ፥ እቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ተሃኒፁ ንግልጋሎት ንክበቅዕ ዘኽእል ርኽክብ መሬትን ዘድሊ ኩሉ ንምምላእን ምምሕዳር እታ ወረዳ ድልዊ ምዃኑ ገሊፆም።

ህንፀት እቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ መጋቢት 2011 ዓ.ም ከም ዝጅምር ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘም ትፅቢት ይግበር።

 

ብክብሮም ተስፋይ

Comments
Loading...