Fana: At a Speed of Life!

ወናኒ ሌሲስተር ሲቲ ቪቻይ ብሓደጋ ነፋሪት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

0 19

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወናኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሌሲስተር ሲቲ ቪቻይ ስሪቫዳናፕራባ ብሓደጋ ነፋሪት ምሟቶም እቲ ጋንታ ኣፈሊጡ።

እቶም ታይላንዳዊ ቢሊየነር፥ ቀዳም ምሸት ክለቦም ምስ ዌስቲሃም ኣብ ስታዲየም ኪንግ ፓወር ዝገበሮ ፀወታ ድሕሪ ምክትታሎም ብዝበፅሐ ሓደጋ ነፋሪት እዮም ሞይቶም።

በቲ ዝበፅሐ ሓደጋ ንዕዖም ሓዊሱ ክልተ ኣብረርቲ እታ ነፋሪትን ካልኦት መሳርሕቶምን ከምዝሞቱ እውን ተገሊፁ።

ብምኽንያት እዚ ደገፍቲ እታ ክለብ ሓዘኖም ይገልፁ ኣለዉ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ድማ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊፁ።

ቪቻይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2010 ንሌሲስተር ሲቲ ብ39 ሚሊየን ፓውንድ ከምዝዓደግዎ ይዝከር።

Comments
Loading...