Fana: At a Speed of Life!

ዝተኸልከለ መድሓኒት ዝተጠቐማ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ ውድድር ተኣጊደን

0 40

ኣዲስ ኣበባ ፣14 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፖርት ዝተኸልከለ መድሓኒት ዝተጠቐማ ክልተ ኣትሌታት ካብ ውድድር ከምዝተኣገዳ ብሄራዊ ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ፀረ ኣተባባዒ ቅመማት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ኣትሌት ጫልቱ ሹሜን ኣትሌት ብርቱካን ኣደባን እገዳ ከምዝተገበረ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ከምዝድግፍ ድማ ኣብ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ካልኦት ኣትሌታት እውን ካብዚ ትምህርቲ ክወስዱን ካብ ዘይተፈቐደ መድሓኒት ክርሕቑን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

Comments
Loading...