Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ሰብ ስራሕ ወርሒ ክትምህዝ እያ

0 335

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቻይና፥ ሲችዋን ኣብ ዝተብሃለት ዓባይ ከተማ ዘሎዉ መብራህቲታት መገዲ ንምትካእ እተኽእል ሰብ ስራሕ ወርሒ ከምእትምህዝ ተሓቢሩ።

እታ ክትመሃዝ ተሃቂና ዘላ ሰብ ስራሕ ወርሒ፥ ብዓይነታ ዝተፈለየትን ኣብ ጎደናታት ዝተተኸሉ መብራህቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ክትትክእ ከምእትኽእልን ድማ ተሓቢሩ።

ብእትልግሶ ሓይሊ ብርሃን ካብ ተፈጥሪኣዊት ወርሒ ብሸሞንተ ዕፅፊ ከምዝዛይድ እውን ተገሊፁ።

ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሖ ውልቀ ኮንትራክተር ህዋ/ጠፈር፥ እታ ሰብ ስራሕ ወርሒ ካብ 10 ክሳብ 80 ኪሎ ሜትሮ ስፍሓት ንዘሎ ህዝቢ ብርሃን ከምእትህብ ገሊፁ።

ስለዝኾነ እታ ወርሒ ካብ ፀሓይ ሓይሊ እናተቐበለት ንህዝቢ ብርሃን እትህበሉ ተግባራዊ ስራሕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 ዕላዊ ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ሓቢሩ።

እታ ሰብ ስራሕ ወርሒ፥ መብራህቲታት መገዲ ካብ ምትካእ ብተወሳኺ ቁፅሪ በፃሕቲ ዓዲ ብምውሳኽ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም እወንታዊ ተራ ከምዝህልዋ እውን ተገሊፁ።

 

ፍልፍል፦ኦዲቲይ

Comments
Loading...