Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

0 72

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ካልኦት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ናይ ክልተ መዓልታት ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ ስምምዕነት ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ብዛዕባ ዝመፅአ ሕውነትን ምድግጋፍን ህዝብን መንግስትን ዘተ ክገብሩ እዬም።

ብተወሳኺ ኣብ ክሊ ንግድን ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴሪኢ ልዝብ ከምዝገብሩ ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም።

(Photo credit: Fitsum Arega)

Comments
Loading...