Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ንተመዛበልቲ ልዕሊ 136 ሚልየን ብር ቃል ተኣትዩ

0 69

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ መጀመርን መለዓዓሊን መድረኽ ቴሌቶን ደገፍ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ኣስታት 136 ሚልየን ብር ቃል ተኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዘይምርግጋዕ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ምፍንቓል ኣጋጢሙ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ኣነዋሪ ጥቕዓትን ምፍንቓልን ክካየድ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት’ዚ ልዕሊ 37 ሽሕ ተጋሩ ናብ ትውልዲ ዓዶም ትግራይ ከምዝኣተዉ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን ክልል ትግራይ ገሊፁ’ዩ።

ስለዝኾነ ሓላፊት ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስ፥ ንተመዛበልቲ ወገናት ንምሕጋዝ ዝዓለመ 1 ነጥቢ 5 ቢልየን ብር ኣብ ዓመተ 2011 ንምትእኽኻብ ትልሚ ከምዝተታሕዘ ገሊፀን።

ብመሰረት’ዚ ኣብ ናይ ትማሊ መጀመርን መለዓዓልን ተባሂሉ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ቴሌቶን 136 ሚልየን ቃል ከምዝተኣተወ ሓቢረን።

እቲ ቃል ዝተኣትወን ገና ዘይተኣከበን ደገፍ፥ ካብ ሰብ ወልቀ ሃፍቲ፣ ትካላት ትእምት፣ መንግስታዉን ዘይመንግስታውን ትካላትን ካልኦት ግዱሳትን ዝተረኸበ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰናይ ተግባር መጀመርን መለዓዓልን ከምዝኾነ ዝሓበራ ወ/ሮ ኪሮስ፥ ብተግባር ወገናዉነቶም ንዘመስከሩ ብሽም ተመዛበልቲን ህዝብን መንግስቲ ትግራይን ኣመስጊነን።

እቲ መደብ ኣብ ወፃእ ዓድታት ንምቕፃል ተዓሊሙ ኣብ ኣወስትራልያ ምንቅስቀቓስ ከምተጀመረን ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕ ንምዉጋን ምርድዳእ ከምዝተገበረን እውን ኣፍሊጠን።

ወ/ሮ ኪሮስ ከምዝበለኦ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት ሚድያታትን እዉን ነዚ ሰናይ ተግባር ከበረታትዓን ከለዓዕላን ፀዊዐን።

Comments
Loading...