Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት ዜጋን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምሕላው ክበሃል ኦነግ ዝሓዞ ዕጥቂ ናይ ምርጋፍ ስራሕ ክስራሕ’ዩ-መንግስቲ

0 12

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣቦ መንበር ኦነግ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ ምስ ቴሌቪዥን ዋልታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት “ዕጥቂ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኣይንደራደርን፤ ዕጥቂ ዝፈትሕን ዘፍትሕን የለን” ምባሎም ስዒቡ ሚኒስቴር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

መንግስቲ ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕ ዓሊሙ ብዝገበሮ ፃውዒት ዕጥቂ ቃልሲ ከካይዱ ዝፀንሑ ብዙሓት ፓርቲታት ፖለቲካ ዕጥቆም ብምርጋፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ሚኒስትር ድኤታ ቤት ዕዮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ 1 ሺሕን 300 ወተሃደራት ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኦነግ፥ እቶም ወታሃደራት ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣብ ጦላይ ስልጠና ይወሃቦም ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።

ኣይተ ካሳሁን፥ ምስ ኦነግ ኣብ ኣስመራ ሰለስተ ግዘ ድርድር ከምዝተገበረን ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሰለማዊ ቃልሲ ንምግባር ኣብ ሓደ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን እውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኦነግ ናብ ሃገሩ እንትኣትው ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ተዛሪቦም።

ኣብ እዋን እቲ ድርድር “ዕጥቂ ምርጋፍ/ምፍታሕ” ዝምልከት ነጥቢ ዘይምልዓሉ ኣጀንዳ እቲ ድርድር ብዘይምንባሩ ኢዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

“ሰለማዊ ቃልሲ ዝግበር ብሓሳብ እምበር ብኣፈሙዝ ኣይኮነን” ዝበሉ ኣይተ ካሳሁን፥ ምርጋፍ ዕጥቂ ድማ ንድርድር ዘይቐርብ ቀይሕ መስመር ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኦነግ ዝሓዞ ቅዋል ከምብሓዱሽ ብምፍታሽ ዕጥቁ ንክፈትሕ መንግስቲ ፃውዒት ከምዘቕረበ ተዛሪቦም።

እዚ ተግባራዊ እንተዘይተገይሩ ድማ፥ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ንምሕላው ክብል ኦነግ ዝሓዞ ዕጥቂ ናይ ምርጋፍ ስራሕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ነዚ እውን ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምኽባር መንግስቲ ብቑርፀኝነት ስለ ዝሰርሕ ህዝቢ ኣብ ድሕንነቱ ስግኣት ክህልዎ ኣይብሉን ክብሉ መልእኽቶም ኣተሓላሊፎም።

Comments
Loading...