Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ንምፅራይ ዋንጫ ኣፍሪካ ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየድኡ ፀወታ 0 ን0 ተፈላልየን

0 11

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ 2019 ካሜሮን ኣብ እተዳልዎ ዋንጫ ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየድኡ ፀወታ ምፅራይ ባዶ ንባዶ ተፈላልየን።

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝተጀመረ ፀወታ ፅዕንቶ ፈጢሩ ዝተፃወተ እንትኸውን፥ ዕድል ሸቶ ግን ክረክብ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ስታዲየም ልዕሊ 80 ሺሕ ተመልከትቲ ብምርካብ ድጋፎም ገሊፆም ኢዮም።
ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ 6 ምስ ጋንታታት ኬኒያ፣ ጋናን ሴራሊዮንን ከምዝተመደበ ይዝከር።

ስለዝኾነ ቅድመ ሐዚ ኣብ ኣክራ ብመሰረት ዝተገበረ ፀወታ፥ ብብሄራዊ ጋንታ ጋና ተሳዒሩ ኢዩ።

ድሕሪዚ ኣብ ስታዲየም ሃዋሳ ምስ ሴራሊዮን ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ድማ ክዕወት ክኢሉ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ስታድየም ባህርዳር ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ኬንያ ፀወትኡ ብምክያድ ብባዶ ማዕረ ውፅኢት ተፈላልዩ።

Comments
Loading...