Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቁፅሪ ኣባላት ካቢኔ ካብ 28 ናብ 20 ንክወርድ ወሲኑ

0 66

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት ፌዴራል ንምውሳን ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ዘተ ብምግባር ንውሳና ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ልኢኹዎ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ቁፅሪ ኣባላት ካቢኔ ካብ 28 ናብ 20 ንክወርድ ወሲኑ።

ብመሰረት እዚ ሚስቴር ንግድን ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ብምባል ኣብ ክልተ ቤት ዕዮ ዝነበሩ ብሓደ ክሕወሱ ብምግባር፥ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ንክበሃሉ ተወሲኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምስ ሚኒስቴር መራኸቢን ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂ ብምውሃድ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንክኸውን ውሳነ ተዋሂቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ሚኒስቴር ኮንስትራክሽንን ናብ ሓደ ብምሕዋስ፥ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ንክበሃል ተወሲኑ።

ካልኦት ትካላት መንግስቲ ፌዴራል እውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ንክዋሃዱ ውሳነ ከምዝተውሃቦም ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ልዕልነት ሕጊን ንክነግስ ኣብ ድልየት ህዝቢ ዝተደረኸ ሓደ ማሕበረሰብ ፖለቲካ ብሓባር ንምህናፅ ትኹረት ሂቡ ዝሰርሕ “ሚኒስቴር ሰላም” ንክጣየሽ ወሲኑ ኣሎ።

ኩሎም ዩኒቨርስቲታትን ትካላት ሙያን ቴክኒክን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘለዉ ክልተ ዩንቨበርሲቲታት ሓዊሱ “ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን” ተባሂሉ ንክውደብ ውሳነ ተዋሂቡ።

ብተወሳኺ በዓል ስልጣን እቶትን ጉምሩኽን ኢትዮጵያ፥ ሚኒስቴር እቶት ንክበሃል፤ ነቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ተፀዋዒ ዝኾነ ድማ ኮሚሽን ጉምሩኽ ብምዃን ክልተ ትካላት ኮይኖም ንክውደቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ውሳነ ኣተሓላሊፉ።

Comments
Loading...