Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

0 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምት፣ 2011 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ሎሚ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ጁሴፔ ኮንቴ፥ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበ ሰልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብመሰረት ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘቕረብሎም እንግዶት እዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዘለዉ።

 

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልዎም ናይ ክልተ መዓልታት ፃንሒት፥ ምስ ዶክተር ኣቢይን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌዴሪኢን ብምርኻብ ከምዝዛተዩ ተሓቢሩ።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዘድህብ እንትኸውን፥ ኣብ መወዳእታ ኣብ ክልቲኣዊ ሰነድ ስምምዕ ከምዝፈራረሙ ተገሊፁ።

Comments
Loading...