Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይተ ደመቀ መኮነንን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ተዛቲዮም

0 16

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነንን ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

እቶም ኣባላት ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ምስ ሃገራዊ ሓላፍነቶምን ግዴተኦምን ብዝተተሓሓዘ ሕቶታት ኣልዒሎም ኢዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮነን ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሓይሊ ከም ዜጋ ክድመፅን ብተግባር ምላሽ ክረክብን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ከም ሃገር ዝጀመሮ ስራሕቲ ሪፎርም ኣብ ዘፈር ምክልኻል ሃገር እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

 

ተወሳኺ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል መድረኽ ከምዝዳሎ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ብዝጀመሮ ጉዕዞ ለውጢ እቶም ሕቶታት በቢብርኩ ምላሽ እናረኸቡ ከምዝኸዱ ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ድማ፥ ኣብ እዋን እቲ ዝተ ዝተልዓሉ ሕቶታት ብዝሰኸነ ኣገባብ ንምፍታሕን ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ንከይተዓናቐፍን ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡ ድልዉነቶም ብምግላፅ ኣረጋጊፆም።

ብዝተተሓሓዘ ዜና እቶም ኣባላት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛቲዮም ኢዩ።

ዶክተር ኣቢይ፥ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘተ ነቶም ኣባላት ቅፅዓት “ፑሽ ኣፕ” ብምግባር ድራር ኣንጊደምዎም ኢዮም።

Comments
Loading...