Fana: At a Speed of Life!

ምስ ኣሓት ዉድባት ዝረአ ዘሎ ተስፋ ወሃቢ ምሕዝነት ቃልሲ ናብ ዝበረኸ ንምብፃሕ ክስራሕ’ዩ-ህወሓት

0 16

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕላማን ሽቶን መበል 13 ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣፍሊጡ።

ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት/ኢህወዴግን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓትን ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፥ ህወሓት ዕላማን ወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመርን መሰረት ብምግባር ኣብ መበል 11 ጉባኤ ኢህወዴግ ዝነበሮ ተሳትፎን ተሰማዕነትን ዝሓሸ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ምስ ኣሓት ዉድባት ዝረአ ዘሎ ተስፋ ዋሃቢ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ናብ ዝበረኸ ንምብፃሕ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣብ ዕላምኡ፣ መትከሉ፣ ወያናይ ዴሞክራስያዊ መስመሩን ክብርታቱን እንተይተደራደረ ብቐፃልነት ከምዝቃለስ ሓቢሮም።

በቢብርኩ ዝተኻየደ ጉባኤታት ብሰላም ክዉገንን ዕዉት ክኾንን ዝዓዘዘ ደገፍ ንዝገበረ ኣባልን ደጋፍን ህወሓት/ኢህወዴግ ከምኡ እውን መላእ ህዝቢ እውን ኣመስጊኖም።

Comments
Loading...