Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ተጋደልቲ ህወሓት ዝብል ዝነበረ ስያመ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ብዝብል ስያመ ክፅዋዕ ተወሲኑ

0 18

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ተጋደልቲ ህወሓት ካብ 28 መስከረም 2011 ጀሚሩ ከሳልጡ ዝፀንሐ መበል 7ይ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

ማሕበር ተጋደልቲ ህወሓት ዝብል ዝነበረ ስያመ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ብዝብል ስያመ ክፅዋዕ ኣብ መዛዘሚ መበል 7ይ ጉባኤ እታ ማሕበር ተወሲኑ።

ጉባኤ እታ ማሕበር 11 ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ 7 ኣባላት ኮሚሽን ቁፅፅር መሪፁ።

ብመሰረት እዚ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ኣቦ ወንበር፣ ኣይተ ደስታ በዛብህ ድማ ምክትል ኣቦ ወንበር ኾይኖም ተሚፆም።

ኣብቲ ጉባኤ ስትራቴጂ ትልሚ 10 ዓመት እታ ማሕበር ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ብዕምቆት ብምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ’ዩ።

ኣብ መዕፀዊ እቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦ ወንበር ህወሓትን ደክተር ደብረፅዮን ገብረሚኬኤል፥ መንግስቲ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ህዝቢ ንምዕባይ ጠመተ ሂቡ እናሰረሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ደክተር ደብረፅዮን፥ ብሽም ቃልስን ተጋደልትን ዝሽቅጡ ዓንቀፍቲ ምእላይ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ሓዱሽ ኣቦ ወንበር እታ ማሕበር ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ብወገኖም ኣብ ቀፃሊ
ቁጠባዊ ዓቅሚ ኣባላት ንምዕባይ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እታ ማሕበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 34 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዋ።

ብሙሉጌታ ታደለ

Comments
Loading...